ንገዛእ ርእስኻን ንኻልኦትን ተኸላኸል – ለበዋታት ብዛዕባ covid-19
Skydda dig själv och andra – rekommendationer om covid-19 på tigrinja.
ኣብዚ፡ ሕጽር ዝበለ ንገዛእ ርእስኻን ንኻልኦት ካብ covid-19 ንምክልኻል እንታይ ክትገብር ከም ዘድልየካ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
ንናይ ገዛእ ርእስኻን ንኻልኦትን ንምክልኻል፥ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ንኸየጋጥም ሓላፍነትካ ተሰከም።
ኵሉ ሰብ፡ ንናይ ገዛእ ርእሱን ንኻልኦትን ካብ ምልባዕ covid-19 ንምክልኻል ነናቱ ሓላፋነት ኣሎዎ’ዩ።
ክታበት ብምውሳድ ንነፍስኻ ተኸላኸል
ክታበት ምውሳድ እቲ ዝበለጸ ካብ covid-19 ብጽኑዕ ንኸይትሓምም እትከላኸሉ ኣገባብ እዩ።
ቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ፡ ኵሎም’ቶም ደቂ 50 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዝኾኑ ሰባት፥ ክታበት covid-19 ንኺወስዱ ይላቦ። ብተወሳኺ፡ እቶም ኣባላት ናይ ሓደጋ ጕጅለ ዝኾኑ ደቂ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ፥ መታን ብ covid-19 ብጽኑዕ ንኸይሓሙ፡ ክታበት ንኺወስዱ ይላቦ።
ክንደይ ዚኣኽሉ ክታበታት ንኽትወስድ ክንመኽረካ ንኽእል፥ ከከም ዕድሜኻን - ወይ ውን ኣበየናይ ናይ ሓደጋ ጕጅለ እትዊ ምዃንካን ብምሕሳብ እዩ።
ዋላ ነቶም ክታበት ንኺወስዱ ዘይንላበዎም ዘሎና፥ ካብ 18 ክሳብ 49 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ዚኸውን እኹል ብዝሒ ናይ covid-19 ክታበታት ኣሎና እዩ።
ኣብቲ ትነብረሉ ከባቢ ብኸመይ ክታበት ክትወስድ ከም ትኽእል፡ ኣብ ”1177.se” ኣቲኻ ኣንብብ።
ክታበት covid-19 ንምውሳድ ብኸምዚ ኣገባብ ትገብሮ (1177.se)
ዝተማልአ ጥዕና ዘሎዎም ቆልዑን መንእሰያት፡ ብሕማም covid-19 ብጽኑዕ ዚሓሙ ሳሕቲ ጊዜ እዩ። ነቶም ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾነ ሰባት፥ ናይ covid-19 ክታበት ንኺወስዱ ዚምከር፥ ምስቲ ዚሕክሞም ዶክቶር ብምልዛብ እዩ። ንሱ ድማ፡ እንተ ደኣ ኣብ መገዲ ምትንፋስ ዝኸበደ ተወሳኺ ሕማም ከስዕበሎም ከም ዚኽእል ተፈሊጡ፥ ወይ ውን ንኣብነት፡ እቲ ነፍስኻ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም (immunförsvar) ጐዲሉ ምስ ዚህሉ እዩ።
ክታበት ኣንጻር ኮቪድ-19
Filmen nedan har titeln Hur funkar vaccin?
Ladda ned version på tigrinja: Hur funkar vaccin? (Liggande format)
Ladda ned version på tigrinja: Hur funkar vaccin? (Stående format)
ብኸመይ ክታበታት ይሰርሑ፧

Filmen nedan har titeln Vad är ett vaccin?
Ladda ned verison på tigrinja: Vad är ett vaccin? (Liggande format)
Ladda ned version på tigrinja: Vad är ett vaccin? (Stående format)
እንታይ ኢዩ ክታበት፧

Filmen nedan har titeln Hur testas vaccin mot covid-19?
Ladda ned version på tigrinja: Hur testas vaccin mot covid-19? (Liggande format)
Ladda ned version på tigrinja: Hur testas vaccin mot covid-19? (Stående format)
ብኸመይ ኢዮም ክታበታት ኣንጻር ኮቪድ-19 ዝፍተኑ፧
